መዕተዊ
ከተማታት ትግራይ እቲ ቀንዲ ናይ ምክታም ፀገም ኮይንዎን ዘሎ ንቲ ማእከላይን ታህተዋይን መነባብሮ ዘለዎ ክፈሊ ህብረተሰብ ዝከዉን መንበሪ አባይቲ ዘይምህላዉ እንትከዉን በአጠቃለሊዉን እቱ ተሰሪሖም ዝቀርብ መንበረ አባይቲ ምሰቲ ናይ ምክታም ናሕሪ ዝማጣጠን አይኮነን፡፡ እዚ ናይ መንበሪ ፀገም ንምፍታህዉን በቢእዋኑ ዝተፈላለዩ ፐሮግራማት ዋላ እንተተሞኮሩ ክንዲቲ ዘድሊይ መፍትሒ ከምፅኡ ብዘይ ምካአሎም አብዚ ሕዚ እዋን ናይ መንበሪ ፀገም እቲ ቀንዲ ፀገም ከተማ መቐለ ኮይኑ ይርከብ፡፡
ናይ ከተማ መቐለ ፕላን ንምድላዉ አብዝተገበረ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ እቲ ፕላን ተግባራዊ አብዝግበረሉ እዋን (እስካብ 2023) እብታ ከተማ ተወሳኪ 158,000 መንበሪ ገዛዉቲ ክስርሑ ከምዘሎዎም ይሕብር ፡፡ ይኩን ዳአምበር እቲ ፕላን አብ ዝትግበረሉ እዋን ዝተስርሁ መንበሪ አባይቲ ቁፅሪ ትሁት ምካኑ ጥራህ ዘይከነስ ብቲ መፅናዕቲ ዝተወሰደ ናይታ ከተማ ህዝቢ ዕብየት መጠን እእዚዩ ትሁት ምስምካኑ እተ አብታ ከተማ ዘሎ ነይ መንበሪ አባይቲ ፀገም ብጣዕሚ ሰፊህን ዝተፈላለየ መፍቲሂ ዝጠልብን ምካኑ ድርጅትና ቨርችዋል ኮንሳላቲንግ ኀ/ዝ/ዉ/ማህበር ናይ መቐለ ከተማ ዲዛይን መፅናዕቲ አብ ዝገበርናሉ ንምርዳእ ኪኢልና ኢና፡፡
እዚ ናይ መንበሪ አባይቲ ፀገም ንምፍታህ እዉን ዝተፈላለየ መማረፂን ሰፊሕ ናይ ፋይናንስ አቅሚን ዝሐትት እዩ፡፡ ድርጅትና ናይ ዳያስፖራ አብ ናይ ዓዱ ልምዓት ምስታፍ ዘለዎ ባህጊን ድልየትን አብ ዳግመ ህንፃት ትግራይ ብዘለዎ ናይ መንበሪ ምስራህ ድልየት ክሳተፍ ብምግባር አብ ካላኦት አዉደ ኢንቨስትመንታት ክሳትፍሉ ዝክእል እድል ምስፋህ፡፡
ዳይስፖራ አብ ዓዱ መንበሪ ገዛ ንክሕልዎ ብመግባር አብ መቐለ ዘሎ ናይ መንበሪ አባይቲ ፀገም ብምፍታህ አቢልካ ስፊህ ናይ ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅቅህ ስለዘምፅእ ንናይ ትግራይ ዳግመ ህንፀት መማረፂ ሐሳብ ምቅራብ ዝዓለመ ስራህ እዩ፡፡
ዕላማ
እዚ ንምፍፃም ድርጅትና ቨርቸዋል ኮንስልንግ ኀ/ዝ/ዉ/ማህበር አብ አሜሪካ ዘጣየሽናዮ ፕሪሲሽን ኮንሳላቲንግ ዳስፖራ አብ ህንፀት መንበሪ አባይቲ ክሳተፈሉ ዝክእል ኮብ 5,000 – 10,000 አፓርትመንት ክሕዝ ዝኽዕል ዘመናዊ ናይ መንበሪ መንድር ሓሰባዊ ፕላን ብምድለው ካብ ዓዲ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ መንበሪ ናይ ምስራሕ ድልየት ንምፍላጥ ዝሕግዛና ኣድሊዋና አለና፡፡ እቲ በዝሒ ድልዮት ብዝተፈልጠውን ምስ ዝምልከተም ናይ ክልልን ከተማን ምምሕዳር ብምዝርራብ ንዚ አባይቲ መስርሒ ዝከዉን ቦታ ንከዉሃብ ብምዝርራብ እቲ ከይዲ ህንጸት ምስ ዝምልከቶም አካላት ብምካን ክትግበር ምግባር፡፡
ናትና ግደ እንታይ እዩ?
ድርጅትና ቨርቸዋል ኮንስልንግ ኀ/ዝ/ዉ/ማህበርን ፕሪሲሺን ኮንሳልቲንግ ናይ አለምለካዊ ተሞክሮ ብምዉሳድ ድልየት መንበሪ አባይቲ ዳያስፖራ ንምፍላጥ ዝሕግዘና ናይ መጀመሪያ ሓሳባዊ ፕላን (concept Plan) እደሊና ደለይቲ መንበሪ አባይቲ ብምምዝጋብ እቲ በዝሒ ተመዝጋቢ መበገሲ ብምግባር ምስ ዝምልከቶም ናይ ክልልን ከተማ ምምህዳር ብምዝርራብ ብምትህብባር ንክትግበር ምስራህ፡፡
ኣብ ከይዲ ዲዛይን ስርህ
ድርጅትና ቨርቸዋል ኮንስልንግ ኀ/ዝ/ዉ/ማህበር አብ ዲዛይን ህንፀት መንበሪ አዲስ አበባ ስፊህ ተሞክሮ ዘለዎ ምስምኻኑ እቲ ሕቶ ብክልልን ከተማ ምምህዳር ተቀባሊነት ምስረከበ ወፃኢ ቆጣቢ ዝኾነን ስታንዳርዱ ዝሃለወን ናይ ህንፃን መሰረት ልምዓት ዲዛይን (Detailed engineering and infrastructure design) ምድላው፡፡
ኣብ ከይዲ ኮንስትራክሽን
ድርጅትና አብ አዲስ አበባ ከተማ ዝተሰርሁ ንልዕሊ 8500 ዝኮኑ ናይ ሐባር መንበሪ አባይቲ ፕሮጀክትታት ከብ ዋጋ መፅናዕቲ ጀሚሩ፤ ዉዕሊ ምእሳር እስከብ እቲ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ርክክብ ዝግበር ናይ ህንፀጽ ፅርየት ክትትልን ኮንትራት ምምህዳር ስራሕቲ ምክይድ ሰፊህ ልምዲ ዘለና ስለዝኮነ ተመሳሳሊ ስራህቲ አብዚ ፕሮጀክት ምክያድ::
ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ
ከብ ዘለና ተሞክሮ በዚ መጠን ስፍሐትን ዝፍፀሙ ፕሮጀክት ብዙሓት ስብዉራይ፤ መዳርግቲ አካላት (Stakeholders) ዝሳተፍሉ ስለዝኮነ አካላት ጥንኩር ናይ ምትህብባርን ምትእስሳርን ስራህ ዝጠልብ እዩ፡፡ አብዚ ከየዲ አቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምምህዳር አካላት ፣ ደለይቲ ገዛ፣ ፋይናንስ ተቋማት፣ ኮንትራክተር፣ መቅረብቲ ናዉቲ ዝሳተፍሉ መድረክ ብምጥያሽ እቲ ከይዲ ህንፀት ብዝተሳለጠ ንክፍፀም ናይ ብምትሕብባር ስራህቲ ምክያድ፡፡
ኣብዚ ናይ ኣባይቲ ድልየት ፕሮጀክት ንምስታፍ ዝደልይ ሰብ
- ኣብ ፕሪሲሽን ሳልሽን ዌብ ሳይት (https://precessionsolutions.com/registration-form/) ብሞምዝጋብን፣
- ናይ መመዝገቢ $ 300 ብኦንላይን (online) ወይካዓ ብ Zell ([email protected]) ብምጥቃም ምክፍል ዝኻአል ምኻኑ ::
እዚ ናይ መመዝገቢ ክፍሊት ነቲ ተዳልዩ ዘሎ ሓሳባዊ ፕላንን እቲ መሬት ብዝተፈቃድ ዝርዝር ናይቲ ህንፃነን ናይ መሰረተ ልምዓት ዝርዝር ዲዛይን (Detailed engineering and infrastructure design) ስራሕቲ ንምደላዉ ዝውዕል ዘይምለስ ክፍሊት እዩ።
To participate in the Diaspora Housing Project, please follow the steps outlined below:
- Complete the registration form on the https://precessionsolutions.com/registration-form/ page.
- Submit the Non-Refundable Registration Fee of $300:
There are two payment options available:
- Using online
- Using @